ኩነታት ምንቅስቃስ መንእሰያት ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ (ምደፍኤ/ (EMDJ)

ኩነታት ምንቅስቃስ መንእሰያት ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ (ምደፍኤ/ (EMDJ)

ኣብ ኢትዮጵያ ብከባቢ ምዕራብ ትግራይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከሰላስል ዝጸንሐ ምደፍኤ ወይ EMDJ ዝተባህለ ውድብ መንእሰያት ኤርትራውያን ብጣልቃ ምትእትታው ጀነራል መስፍንን ኮረኔል ወልዱን ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን መራሕቲ ተመቓቂሉ ስለዝተበታተነ፣ መራሕቱ ሃዲሞም ገሊኦም ኣብ መደበር ስደተኛታት ክምለሱ ከለው ገሊኦም ድማ ድሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ምደፍኤ ይሕብሩ።

ኣብዚ ምብትታን ናይቲ ውድብ ተወልደ ገብረስላሰ ዝተባህለ መራሒ ናይ ሳግም ኢድ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ሓርሽ ካብ ዝነበሩ ደገፍቲ ናይቲ ውድብ 14 ንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ መቐለ ተኣሲሮም ኣለው። ኣብዚ ናይ ምእሳር ሃድን ድማ ሓደ ሃገረይ ነጋሽ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ኣዲያቦ ዝዓዱ (ኤርትራዊ እየ እንዳበለ ከደናግር ዝጸንሐ) ኣቦ ወንበር ምደፍኤ ዝነበረ፣ ካብ ውድብ ብዝገበሮ ጉድለታት ተረፊቱ ዝነበረ ብውዲት ጀነራል መስፍን ዝተመልሰ ሰብ እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ካብ ውድብ ተሰጉጉ ዝጸንሐ ሃገረይ ነጋሽ ካብ ዕለት 1/4/2012 – 3/4/2012 ኣብ ዝተኻየደ ዘይእውጅ ጉባኤ ብሓገዝ ጀነራል መስፍን ድሕሪ ምክያድ፣ ኣቦ ወንበር ናይቶም ካብ ምብትታን ዝተረፍ ኣባላት ምደፍኤ ኮይኑ ክምረጽ ከሎ፡ ቶውፊቕ ኑርሕሴን ዝተባህለ ድማ ምኽትል ኣቦ ወንበር ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣቦ ወንበርን ምኽትሉን ክልቲኣቶም ኣባላት ውድብ ሳግም ዝነበሩ ኮይኖም፣ ብኢድ ኣዙር ተወልደ ገብረስላሰን ጀነራል መስፍንን ኣብ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ዳግማይ ንኽመጹ ተጌሩ። እዚ ድማ ነቲ ውድብ ኢትዮጵያ ጽግዕተኛ ናታ ክትገብሮ ድሌት ስለዝነበራን ነቲ ናታ ድሌት በቶም ዝነበሩ መሪሕነት ከተተግብሮ ጸጊምዋ ስለዝጸንሐን እዩ።

ምደፍኤ ዕጡቃት ጥራይ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰራዊት ኣብ ክፍልታቱ ድማ ከባቢ 50 ዝኾኑ ተጋደልቲ ዘጠቓለለ ኮይኑ ድሕሪ ምብትታኑ ግን 27ን ሰባት ጥራይ ሒዙ ከምዝተረፈ፣ ካብዚኣቶም ድማ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ተኣለይቲ ዝነበሩ ቆልዑት ከምዘለውዎ ይፍለጥ።

ኣብ ምፍራስ ምደፍኤ ምስ ሃገረይ ነጋሽን ጀነራል መስፍንን ኮይኖም ውዲት ዝኣለሙ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ድማ ኢሳያስ ጸጋይ (ዓዲ እንግሊዝ)፣ ክብረኣብ ዘካርያስ (ጀርመን)፣ ዶ/ር ዮናስ መሓሪ (ኣሜሪካ)፣ ኣለም ሓድጉ (ኣሜሪካ)፣ ደበሳይ ብርሃነ (ኣሜሪካ)፣ ኣዲያም (ኣሜሪካ)።

ናይ ፓልቶክ መጸውዒዖም፤ ክብረኣብ ዘካርያስ (Hayli Hadnet)፣ ዶ/ር ዮናስ መሓሪ (Hasta Eritrea)፣ ኣለም ሓድጉ(Semharawit)፣ ደበሳይ ብርሃነ (Red Sea)፣ ኣዲያም (Bye DIA)።

እዞም ኣብ ላእሊ ተጠቒሶም ዘለው ኤርትራውያን ኣባላት ምደፍኤ ኮይኖም ንቑሩብ ጊዜ ክንቀሳቀሱ ዝጸንሑ ግና ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳርሒ ክኾኑ ዝመረጹ እዮም። ኩሎም ናይ ፖለቲካ ፍልጠቶም ኮነ ብስለቶም ኣዝዩ ትሑትን ድሩትን ኮይኑ ሳዕቤን ናይቲ እሳቶም ዝገብርዎ ዘለው ብጉቡእ ዘይርድኡ ውልቀሰባት እዮም። አብ ላእልኡ ድሕረ ባይትኦም ከምውልቀሰብ ዘሕፍርን ዘሕንኽን እዩ ብሕልፊ ደበሳይ ብርሃነ ብስርቅን ሕሶትን ዝመሓደር ወሮበላ ምኹዋኑ ከይገለጽና ዝሕለፍ አኮነን::መሳርሒ ኢትዮጵያን ጀነራል መስፍንን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ሃገሮምንብ ንዘካይድዎ ዘለው ውዲት ድማ ክሕተቱ ምዃኖም ክዝንግዑ የብሎምን።

እዞም ምስ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣጀንዳ ናይ ኢትዮጵያ ተዘተግብሩ ዘለው ኤርትራዊ መንእሰያዊ ክብሪ ዘዋረዱን ጽግዕተኛነት ዝመረጹን እዮም። እቶም ኤርትራዊ ሃገራዊ መስመር ጥራይ ኢና ንኣምን ዝበሉ ሰብ ሕልና ግን ኣብ ሃደናን ማእሰርትን ኣለው። ኢትዮጵያ ናይቶም ተኣሲሮምን ጠፊኦምን ዘለው ኣባላት መሪሕነት ምደፍኤን ተራ ኣባላት ምደፍኤን ብሓላፍነት ክትሕተት ኣለዋ።

ግዱስ ኤርትራዊ

ካብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s